21 ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
እግዚኣብሄር ከዓ ንምናሴን ንህዝቡን ኣጠንቀቖም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን።
እስራኤል፥ “ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ልዕለይ ተሰለፉ” ይበል።
ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
እግርኺ ጥራሑ ኻብ ምዃን፥ ጐረሮኺ ድማ ኻብ ምፅማእ ማይ ከልክሊ፤ ንስኺ ግና “ጓኖት ፈትየ ኣለኹ፤ ደድሕሪኣቶም ክስዕብ እየ እሞ፥ እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” በልኪ።
ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?
“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።
እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።
ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ካብ ንእስነትና ጀሚሩ ድኻም ኣቦታትና፥ ኣባጊዖምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኣዋልድን ኣወዳትን፥ ደቆምውን ሕፍረት በሊዑሎም እዩ።
ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበና፥ ንሕናን ኣቦታትናን፥ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፥ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል፤ ነውርና ኸዓ የጐልብበና።
ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
“ሞኣብ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሕንቅቕቲ ነበረት፤ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸም ዘይተገላበጠ ወይኒ ድማ ዝግ ዝበለት ነበረት፤ ኣብ ልዕሊ ሓተላኣውን ዓረፈት፤ ናብ ምርኮ ድማ ኣይከደትን፤ ስለዙይ ጣዕማ ኣየጥፍአትን። መዓዛኣውን ኣይተለወጠን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።
“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ።
ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።
ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ርኽሰት ዓይኑ ኣይደርበየን፤ ጣዖታት ግብፂውን ኣይሓደገን፤ ሽዑ ኣብ ማእኸል ምድሪ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ክወፀሎምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክኽዑ እየ በልኩ።
ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን።
ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
ኣነ ኽድዓትኩምን ትሪ ኽሳድኩምን እፈልጥ እየ እሞ፥ እንሆ፥ ሎሚ ገና ብህይወተይ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ከዳዕኹምዎስ፥ ድሕሪ ሞተይ እውን ዝገደደ ኽትገብሩ ኢኹም።
ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።
“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።