19 “ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”
“ስለዙይ እንሆ፥ ንቤት ኢዮርብዓም ክፉእ ከምፅአላ እየ፤ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኮነ ፍቱሕ ኵሉ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ድዅዒ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከም ዝዅስተር ገይረ ኸዓ ንገዛኻ፥ ፈፂማ ኽሳዕ እትጠፍእ ክዅስትራ እየ።
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዘቢዳ እትበሃል ጓል ፈዳያ በዓልቲ ሩማ ነበረት።
ኢዮኣቄም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።
ክቐብርዋ ኸዓ ኸዱ፤ ግና እንትርፊ ሓምሓም ርእሳን፥ ሸዀና እግራን፥ ግናዕ ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡላን።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ከዓ ተዋግኦ እሞ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ።
ስለዙይ ንስኻ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብቲ ጥቕሉል መፅሓፍ ዝፀሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር፥ በታ መዓልቲ ፆም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እዝኒ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ከካብ ከተማታቶም ዝመፁ ህዝቢ ይሁዳ ኣንብበሎም።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።
ሽዑ ኻብቲ ኣብ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ኣህዛብ ተኣከቡ፤ መርበቦም ዘርግሑሉ፤ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተትሓዘ።
ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ኣብ በረኻ ክትወድቕ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።