18 ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።
ኦ ዮናታን ሓወይ! ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፥ ብኣኻ እሓዝን ኣለኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ የመና ፍሉይ ነበረ፤ ፍቕርኻ ንኣይ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ዝበልፅ ነበረ።
ነቲ ሬሳኡ ድማ ኣብ መቓብሩ ቐበሮ፤ “ዋይ ሓወይ፥ ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከዓ በኸዩሉ።
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዘቢዳ እትበሃል ጓል ፈዳያ በዓልቲ ሩማ ነበረት።
ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ለሰ ቄድሮን ኣውፂኡ ኣቃፀሎ፤ ኣድቂቑ ሓመድ ገበሮ፤ ኣብቲ ህዝቢ ዝቕበረሉ መቓብር ከዓ በተኖ።
ኢዮኣቄም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።
ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።
ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ።
ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።
“ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ በሎም፤
ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።
“ኣብቲ ተማሪኹ ዝኸደሉ ሃገር ክመውት እዩ እምበር፥ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸቶ ኣይሪኣን እዩ።”
ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ።