15 ብብዝሒ ዕንፀይቲ ዝግባ ስለ እትወዳደር፥ ብሓቂ ኽትነግስ ዲኻ? ኣቦኻኸ ፍትሕን ፅድቅን ብምስራሑ፥ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ጐዲልዎ ነይሩ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ።
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።
እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ብመንገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፤ ካብኡውን ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን።
ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ነፍሱን ብምሉእ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር ዝተመለሰ ንጉስ ኣይነበረን፤ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተስአን።
ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።
ንሱ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም እንተየግለሰ፥ ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።
ኢዮስያስ ግና ኽዋጋእ ተበረታተዐ እምበር፥ ገፁ ኻብኡ ኣይመለሰን፤ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኽመስል ኢሉ ኸዓ ኽዳውንቱ ለወጠ። ነቲ ብኣፍ እግዚኣብሄር ዝተነግረ ቓል ኒካዑ ኣይሰምዖን፤ ስለዙይ ኣብ ለሰ መጊዶ ኽዋጋእ ከደ።
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን፥ እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ዘርኣዮ ፍቕሩን ተግባሩን፥
ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልውዎ፤ ዙፋኑ ድማ ብቕንዕና ትፀንዕ።
እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።
ንኽፉኣት ሰባት ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆም፤ ሽዑ ዙፋን ንጉስ ብፅድቂ ኽትፀንዕ እያ።
ንጉስ ንሃገሩ ብፍትሒ የፅንዓ፤ ጉቦ ዝፈቱ ግና የጥፍኣ።
ኣፍኻ ኽፈት ብሓቅውን ፍረድ፤ ንድኹምን ንምስኪንን ፍትሒ ኣውፅአሎም።”
ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፥ ሓይሊ ኽረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ ኢኺ።
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ።
ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ሰናይ ምእንቲ ክኾነልና፥ ይፀብቕ ወይ ይኽፋእ፥ ነቲ ናብኡ እንልእኸካ ዘለና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንእዘዞ ኢና” በልዎ።
“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥
ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።
በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤
እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ሰናይ ምእንቲ ክኾነልኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዋእልኩም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ናይ ኣምላኽ ሕግጋትን ትእዛዛትን ሓልውዎ።”