14 ሰፊሕ ቤት፥ በዓል ዓብዪ ሰገነት፥ ክሰርሕ እየ ዝብል ወይለኡ። ሰፋሕቲ መስኮታት የዳልወሉ፤ ብዕንፀይቲ ዝግባ የጋይፅ፤ ቀይሕ ቀለምውን ይቐብኦ።
እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
ነቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ድማ ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ፤ ንእኡውን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ምስሊ ስየታትን ሰንሰለታትን ስኢሉ ኣጌፆ።
ባእሲ ዝፈቱ ኽርክር ይፈቱ፤ ደገኡ ዘንውሕ ከዓ ውድቀት ይምነ።
ኣብ ወፃኢ ዘሎ ስራሕኻ ኣስልጥ፤ ግራት ኣዳሉ፤ ብድሕሪኡ ገዛኻ ስራሕ።
ሰረገላ ቤትና ኦም ዝግባ እዩ፤ መዋቕር ገዛና ድማ ኦም ፅሕዲ እዩ።
ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤
ንሳ ግና “ብምንዝርናኣ ሕልፍ በለት፤ ኣብ መንደቕ ከዓ ስእሊ ሰብኡት ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተስኢሉ፥ ቅናት ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፥ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸዓ ኣብ ርእሶም ገይሮም፥ ኵላቶም መኳንንቲ ኣብታ እተወለዱላ ሃገር ከለዳውያን፥ ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዝመስሉ ረአየት።
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
“እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ?
ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”