13 እቲ ብግፍዒ ቤቱ፥ ብዓመፅ ድማ ሰገነቱ ዝሰርሐ፥ ንወገኑውን ብዘይ ዋጋ ዘስርሕ፥ ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ።
እቲ ንጉስ ግብፂ ድማ ንሓዉ ኤልያቄም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ፤ ስሙውን ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ፤ ኒካኡውን ንሓዉ ኢዮኣክስ ሒዙ ናብ ግብፂ ወሰዶ።
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ።
ንፍሪኣ ብዘይ ዋጋ በሊዐ፥ ንነፍሲ ዋናታታ ኣሕዚነ እንተ ደኣ ኾይነ፥
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!
እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።
ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር።
ኣሕሉቓ ንፅዮን ብደም፥ ንኢየሩሳሌም ድማ ብኽፍኣት እትሃንፁ ስምዑ።
ንኸተማ ብደም ምፍሳስ ንዝሰርሕ ንሃገር ከዓ ብሓጢኣት ንዝምስርታ ወይለኡ!
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሓራ ኣውፂእኹም ክትሰድዎ እንተለኹም ድማ፥ ጥራሕ ኢዱ ኣይትስደድዎ።
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።