Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 22:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 22:11
10 Referencias Cruzadas  

ብዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ ፈርዖን ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ንንጉስ ኣሶር ክዋግኦ ናብ ሩባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኽከላኸሎ ወፀ፤ ኒካዑ ኸዓ ተዋግኦ እሞ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።


ሓሻኽሩ ድማ ብምዉቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብ መቓብሩ ኸዓ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንኢዮኣካዝ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፤ ክንዲ ኣቦኡ ኸዓ ኣንገስዎ።


ኢዮኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።


ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።


ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።


ሽዑ ሓድሓደ ኻብቶም መራሕቲ ደቂ እስራኤል፥ ኣዛርያስ ወዲ ዮሓናን በራክያ ወዲ መሺሌሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሰሎምን ዓሜሳይ ወዲ ሓድላይም ተሲኦም ንተግባር እቲ ሰራዊት ተቓወምዎ።


ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ። ንሳ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ክፋል ከተማ እትቕመጥ ነበረት። ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቂዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዋ።


ክትምለስዋ ናብ እትናፍቕዋ ምድሪ፥ ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።”


እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos