Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 21:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 21:9
12 Referencias Cruzadas  

እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ።


ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”


ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።”


ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።


ስለ ምንታይ ኢኹም፤ ንስኻን ህዝብኻን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ንንጉስ ባቢሎን ንዘይግዛእ ህዝቢ ዘጠንቀቖ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን እትሞቱ?


“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።


እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግፅ ናብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”


እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።”


ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos