4 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።
“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።
እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መደንገፂ ኽገብረካ እየ፤ ኵሎም ብሰይፊ ፀላእቶም ክወድቁ እዮም፤ በዒንትኻውን ክትሪኦም ኢኻ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ድማ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ክወስዶም እዩ፤ ብሰይፊ እውን ክቐትሎም እዩ።
ኤርሚያስ ድማ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም።
“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።
ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ።
ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።
ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ፅዋዓትን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣቑሑን ብምሉኡ ወሰድዎ።
ጋሜል። በቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ንዅሉ ቐርኒ እስራኤል ሰበረ፤ ፀላኢ ምስ ተልዓለ ኸዓ፥ የማናይ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፤ ከምቲ ንኸባቢኡ ዝልቝምፅ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ነበልባል ሓዊ ነደደ።
ሄ። እግዚኣብሄር ከም ፀላኢ ኾይኑ፥ ንእስራኤል ወሓጦ፤ ንዅሉ ቤተ መንግስታን ዕርድታታን ኣፍረሶ፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ይሁዳ ኸዓ፥ ሓዘንን ብኽያትን ኣብዝሐ።
ዛይ። እግዚኣብሄር ንመሰውኢኡ ደርበየ፤ ንቤተ መቕደሱውን ፀልኦ፤ ንቕፅሪ ኣዳራሻታ ንፀላኢ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብዓመት በዓል ከም ዝግበር፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
ንቐስትኻ ኻብታ ፀጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፥ ንፍላፃታትካ ኸዓ ኻብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።
ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!
ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።
እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።