3 ኤርሚያስ ድማ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም።
ንሳ ድማ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ብእግዚኣብሄር ኣፍውን ዝተዛረበ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ርእሱ ኣየትሓተን።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።