Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 21:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1-2 ናይ ይሁዳ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንጳስኮር ወዲ መልክያን ነቲ ኻህን ሶፎንያስ ካህን መኣስያን “ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ‘ክዋግአኩም እየ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዝመልሶ እንተ ኾነስ፥ እስኪ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” ኽብልዎ ናብ ኤርሚያስ ምስ ለኣኾም፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 21:1
20 Referencias Cruzadas  

“ኣቦታትና ንቓላት እዝ መፅሓፍ እዙይ ከምቲ ዝእዝዞ ስለ ዘይገበሩ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዙይ ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጠይቕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።


ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።


ዓዳያ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ጳስኮር፥ ወዲ መልክያ፥ መዕሳይ ወዲ ዓዲኤል ወዲ የሕዜራ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ምሺላሚት፥ ወዲ ኢሜር።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም።


ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑ ኣሕዋቶም ድማ ሸሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን ነበሩ። ዓዳያ፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ፊላልያ፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ፋስኮር፥ ወዲ መልኪያ፥


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀብፃብ መልእኽቲ ብስምካ ፅሒፍካ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ሶፎንያስ፥ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፥ ናብ ኵሎም ካህናትን፥ ከምዙይ ኢልካ ልኢኽካ ኢኻ።


እቲ ኻህን ሶፎንያስ ከዓ፥ ነዛ ፀብፃብ ኣብ እዝኒ ነቢይ ኤርሚያስ ኣንበባ።


ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ።


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ክንዲ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ።


ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።


ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ።


“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ።


ሰፋጥያስ ወዲ ማታንን፥ ጎዶልያስ ወዲ ጳስኮርን፥ ዩካል ወዲ ሰሌምያን፥ ጳስኮር ወዲ መልክያን፥ ነቲ ኤርሚያስ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ዝተዛረቦ ቓል ሰምዕዎ።


ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።


ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos