Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 20:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 “ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 20:9
21 Referencias Cruzadas  

ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሞቐኒ፤ ካብ ምስትንታነይ ዝተልዓለ ኸዓ ሓዊ ነደደ፤ ብኣንደበተይውን ተዛረብኩ፦


ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ብዛዕባ ነቢያት ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰብረ፤ ኣዕፅምተይውን ተናወፀ። ብምኽንያት እግዚኣብሄርን፥ ብምኽንያት ቅዱስ ቃሉን ከም ስኹርን፥ ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ።


ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።


ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ።


እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት።


ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከብድኻ ኣፅግብ፥ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ዝህበካ መፅሓፍ ምልኣዮ” በለኒ፤ ሽዑ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይውን ከም መዓር ጠዐመት።


ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?


ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።


ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።


ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽፅበዮም እንተሎ፥ እታ ኸተማ ጣዖታት መሊኣ ምስ ረአያ፥ ብመንፈሱ ተቘጥዐ።


ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ናብ ቆሮንቶስ ምስ መፁ፥ ጳውሎስ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ ኣበርቲዑ ይምስክር ነበረ።


ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos