Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 20:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ብዝተዛረብኩ ቝፅሪ አእዊ ኣለኹ፤ “ዓመፅን ጥፍኣትን” እናበልኩ አእዊ ኣለኹ፤ ቃል እግዚኣብሄር ምሉእ መዓልቲ፥ ንፀርፍን ንነቐፌታን ኮነኒ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 20:8
26 Referencias Cruzadas  

ካብኡውን ናብ ቤቴል ደየበ። ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ኣናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወፂኦም “ኣታ በራሕ፥ ደይብ፤ ኣታ በራሕ፥ ደይብ” እናበሉ ኣላገፁሉ።


ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።


ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን?


ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ።


ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም።


ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”


ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።


እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።


ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።


በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።


ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?


ኣየ ንስኻትኩም! ትሰርቁ፤ ትቐትሉ፤ ትዝምዉ፤ ብሓሰት ትምሕሉ፤ ንበዓል ትዓጥኑ፤ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትኽተሉ ኣለኹም።


ስለ ምንታይ በደል ኣርአኻኒ? ንስኻኸ ስለ ምንታይ ዓመፅ እትምልከት? ጥፍኣትን ግፍዕን ኣብ ቅድመይ እዩ። ባእስን ክርክርን ከዓ ይለዓል ኣሎ።


ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ።


ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።


እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።


ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos