4 እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መደንገፂ ኽገብረካ እየ፤ ኵሎም ብሰይፊ ፀላእቶም ክወድቁ እዮም፤ በዒንትኻውን ክትሪኦም ኢኻ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ድማ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ክወስዶም እዩ፤ ብሰይፊ እውን ክቐትሎም እዩ።
ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።
“ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን እየን፤ ዝኸፍተን ድማ የለን። ኵላ ይሁዳ ተማረኸት፤ ፈፂማውን ተማረኸት።”
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
“ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ።
ስለ ምንታይ ደኣ ደንጊፆም፥ ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘለኹ? ብርቱዓት ተዋጋእቶም ተስዒሮም፤ ንድሕሪት ግልፅ እንተይበሉ ይሃድሙ ኣለዉ፤ ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም።
ንጉስ ባቢሎን ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ሃማት ዘላ ኸተማ ሪብላ ወቒዑ ቐተሎም። በዝ ኸምዙይ ከዓ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”
እቲ ኣነ ኣብ መሰውእየይ ከገልግል ብህይወቱ ዝሓድጎ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምጥፋእ፥ ነፍስኻውን ንምምንማን ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ኣብ ቤትካ ዝተወለደ ኸዓ ብጕብዝናኡ ክመውት እዩ።