10 ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት።
ኣክኣብ ከዓ ንኤልያስ “ኣታ ፀላእየይ፥ ረኺብካኒዶ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንኽትገብር ንርእስኻ ስለ ዝሸጥካ እወ ረኺበካ” በሎ።
‘ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ ነዝ ሰብ እዙይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንብርዎ፤ እንጀራ መከራ መግብዎ፤ ማይ መከራውን ኣስትይዎ፥ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።
ኵሎም መማኽርተይ ፈንፈኑኒ፤ እቶም ኣነ ዝፈትዎም ኣብ ልዕለይ ተገልበጡ።
ናይ ብዙሓት ሰባት ፀርፊ ሰሚዐ እየሞ፥ ኣብ ዙርያይ ፍርሓት ነበረ፤ ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ።
ኣነ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እእመን፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻውን በልኩ።
ንስኻ ግና ኦ ጐይታ፥ መሃረኒ፤ ምእንቲ ኽምልሰሎምውን ኣተስአኒ።
እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።
ንነፍሰይ ካብ ማእኸል ኣናብስ ኣድሓና፤ ደንጊፀ ደቀስኩ፤ ደቂ ሰብ ኣስናኖም ኲናትን ፍላፃን፥ ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ።
ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም።
ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ንፅባሒቱ ጳስኮር ንኤርሚያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኦ፥ “ኤርሚያስውን እግዚኣብሄር ስምካ ማጎር ሚሳቢብ እምበር ጳስኮር ኢለ ኣይፅውዐካን” በሎ።
ግና ናብታ ደገ ብንያም እትብሃል ምስ በፅሐ፥ የርያ ዝስሙ ወዲ ሰሌምያ ወዲ ሃናንያ ሓለቓ ሓለውቲ “ናብ ባቢሎናውያን ኢኻ እትመልቝ ዘለኻ” ኢሉ ንኤርሚያስ ሓዞ።
ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”
ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።
ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።
ሕዚ እውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኽረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።
ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።
ንሳቶም ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ።