1 ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝተነበየ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓለቓ ኾይኑ ዝተሸመ ጳስኮር፥ ወዲ ኻህን ኢሜር፥ ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ክንበ እንተሎ ሰምዐ፤
ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም።
መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንቢልጋ፥ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንኢሜር፥
ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ።
እቶም ሹመኛታቱውን ብፍቓዶም ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝኸውን፥ ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሃብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ቤት እግዚኣብሄር ዝኾኑ ኬልቅያስን ዘካርያስን ይሒኤልን ድማ እቶም ካህናት ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእቲ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም።
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ንዝሰሓተሞ፥ ንዝንበ ሰብ ኣብ እግሩ ሞቕሕ፥ ኣብ ክሳዱ ሰንሰለት ክተእትወሉ፥ እግዚኣብሄር ክንዲ ካህን ዮዳሄ ገይሩ ሸመካ።
እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ።
ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ።