5 “ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፥ ከንቱ ንዝኾኑ ዝተኸተሉ፥ ንርእሶምውን ከንቱ ኾይኖም ዝተረፉ፥ እንታይ ጥፍኣት ረኺቦሙለይ እዮም?” ይብል እግዚኣብሄር።
ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።
ኵሎም ዝሰርሑዎምን ዝእመንዎምን፥ ከምኣቶም ይኹኑ።
እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ይቐርበኒ፤ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ሰብ ስርዓትን ትምህርትን እዩ ዝፈርሐኒ።
እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም ከንቱ እዮም፤ እቲ ዝፈትውዎ ነገርውን ኣይጠቐሞምን፤ ብላሽ እዮም፤ መሰኻኽሮምውን ኣይሪኡን፤ ኣይሰምዑን፤ ክሓፍሩውን እዮም።
ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ።
ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።
ንስኻ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፤ ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ዅልሻዕ ኣብ ኣፎም ኣለኻ፤ ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ።
ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።
ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?
ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥ ኵልኻትኩም ዓሌት ቤት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤
“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ኣሕዋትካ፤ እወ ኣሕዋትካ፥ እቶም ኣዝማድካን ኵሎም ቤት እስራኤልን ካብ እግዚኣብሄር ረሓቑ፤ ‘እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ’ በልዎም።”
እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፤ ብኸንቱ ጣዖታቶምውን ኣቘጥዑኒ፤ ኣነ ኸዓ ህዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንኦም፥ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ።
እቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን ኣማልኽቲ፥ ከንቱ ስለ ዝኾኑ፥ ምስዓቦምውን ከንቱ እዩ እሞ፤ ኣይትስዓብዎም።