35 ‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ።
‘ኣነ በደል የብለይን፤ ንፁህ እየ፤ ሓጢኣትውን የብለይን።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
“ንምንታይ ፆምና? ንስኻውን ኣይተመልከትካናን፤ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሰርና? ንስኻውን ኣይፈለጥካናን” ይብሉ። “እንሆ፥ ብመዓልቲ ፆምኩምስ ድልየትኩም ኢኹም እትገብሩ፤ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም።
“እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ
ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።
ኵልኻትኩም ካባይ ከዲዕኹም ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ እትከራኸሩኒ? ይብል እግዚኣብሄር።
“ስለዙይ ምሳኻትኩም ክከራኸር እየ፤ ምስ ደቂ ደቅኹምውን ክከራኸር እየ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ምስ ኣህዛብ ክርክር ኣለዎሞ፥ ዓብዪ ድምፂ ኽሳዕ ምድሪ ኽጋዋሕ እዩ፤ ምስ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ክፋረድ እዩ፤ ንኽፉኣት ከዓ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“መርበበይ ክዝርግሐሉ እየ፤ ብመፈንጠረይ ከዓ ኽተሓዝ እዩ፤ ናብ ባቢሎን ድማ ኽወስዶ፥ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዓመፀሉ ዓመፃ ኽፋረዶ እየ።
ኣነውን ቀደም ሕጊ እንተይመፀ፥ ህያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መፀ ግና፥ ሓጢኣት ህያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ።