29 ኵልኻትኩም ካባይ ከዲዕኹም ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ እትከራኸሩኒ? ይብል እግዚኣብሄር።
ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።
‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ።
ኣዒንትኺ ቋሕ ኣብሊ እሞ፥ ናብ ጫፍ ኰረብታታት ጠምቲ፤ ዘይደቀስክሉ ቦታ ኣበይ ኣሎ? ኸምቲ ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ ዝቕመጥ፥ ኣብ መንገዲ ተቐሚጥኪ ትፅበይዮም ነበርኪ፤ ብምንዝርናኽን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ።
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።
ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፤ ምስማዕውን ኣበየ። ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ስለ ዝሰራሕና፥ ኣብ ሕጊ እቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ማሕላን መርገምን ወረደና።
እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።