28 “ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።
ንሱ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል “ንኣይን ንኣኻን እንታይ ዘራኽብ ኣለና? ንስኻስ ናብቶም ኣቦኻን እኖኻን ዝጥይቕዎም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኺድ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህበና እዩ ዝፀውዐና” በሎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።
ተጐምበሱ ብሓደውን ተዋረዱ፤ ነቲ ፆር ከድሕንዎ ኣይከኣሉን፤ ንርእሶምውን ተማረኹ።”
ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤ ኣብኡ ይቐውም፥ ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን። ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።
ኣብ እተእውዪሉ ጊዜ እቶም ዝኣከብክዮም የድሕኑኺ! ግና ንዅላቶም ንፋስ ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ መሸምቦባውን ክበታትኖም እዩ። እቲ ነኣይ መዕቘቢኡ ዝገበረ ግና፥ ነታ ምድሪ ኽገዝኣ፥ ንዝተቐደሰ እምባይውን ክወርስ እዩ።”
ብሰንኪ ሓጢኣቶም፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን፥ ኣእዳዎም ንዝሰርሕዎም ጣዖታት ስለ ዝሰገዱን ፍርደይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከንብር እየ።
ሽዑ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናብቶም ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኸይዶም ከእውዩ እዮም። ግና ብጊዜ መከራኦም ከቶ ኣየድሕንዎምን።
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።
እቲ ቐራፂ ዝቐርፆ ቕሩፅ ምስሊ፥ ንምንታይ ይጠቅም? እቲ ሰራሒ፥ በሃም ጣዖት ገይሩ ብዝሰርሖ ዝእመንከ፥ እቲ መኺኹ ዝተሰርሐ፥ ሓሰት ዝምህር ምስሊኸ እንታይ ይጠቅም?
እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኽጥይቖም እዩ፦ እቶም ኣማልኽትኹም ኣበይ ኣለዉ? እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ?
ብጊዜ መከራኹም ከድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።”