26 ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።
ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።
እንሆ ዅሎም ብፆቱ ኽሓፍሩ እዮም፤ እቶም ሰራሕቲውን ካብ ወገን ሰብ እዮም፤ ኵላቶም ተኣኪቦም ይቑሙ፤ ክፈርሑ እዮም፤ ብሓባርውን ክሓፍሩ እዮም።
እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም ከንቱ እዮም፤ እቲ ዝፈትውዎ ነገርውን ኣይጠቐሞምን፤ ብላሽ እዮም፤ መሰኻኽሮምውን ኣይሪኡን፤ ኣይሰምዑን፤ ክሓፍሩውን እዮም።
ስለ ምንታይ መንገድኺ ንምልዋጥ ትጐዪ ኣለኺ? ኸምቲ ብኣሶር ዝተዋረድኪ፥ ብግብፂ ኸዓ ኽትዋረዲ ኢኺ።
ኵሎም ጓሶትኪ ብንፋስ ክጓሰዩ እዮም፤ ፈተውትኺውን ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብሰንኪ ኽፍኣትኪ፥ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።
እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንነገስታትን ንመኳንንትን ልቦም ክጠልሞም፥ ካህናት ክድንግፁ፥ ነቢያትውን ክድንፀዉ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ?
ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ።
ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።