22 ብሽብጢ እኳ እንተ ተሓፀብኪ፥ ብዙሕ ሳሙናውን እንተ ተጠቐምኪ፥ ኣብ ቅድመይ ብሓጢኣትኪ ረኺስኪ ኣለኺ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “ሎሚውን እምበኣር ኣብዙይ ፅናሕሞ፥ ፅባሕ ኽሰደካ እየ” በሎ። ኦርዮ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣን ብፅባሒታን ኣብ ኢየሩሳሌም ፀንሐ።
ምትሕልላፈይ ኣብ ውሽጢ ኸረጢት ተሓቲሙ እዩ፤ ንሓጢኣተይውን ለቢጥካዮ ኣለኻ።”
ሓጢኣት እንተ እትቈፃፀርስ፥ ኦ ጐይታ፥ መን ክቐውም ይኽእል?
ንሓጢኣትና ኣብ ቅድሜኻ ኣንበርካ፤ ሕቡእ በደልናውን ኣብ ቅድሚ ብርሃን ገፅካ እዩ።
ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።
“ሓጢኣት ይሁዳ፥ ብብርዒ ሓፂንን ብዝበልሐ ጫፍ ኣልማዝን ተፅሒፉ እዩ፤ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢታቶምን ተቐሪፁ እዩ።
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፥ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ነቲ ጉማድ ብጉማዱ ኣውፅኣዮ፤ ዕፃ ኣይወደቖን።
“በደል ኤፍሬም ተኣሲሩ ኣሎ፤ ሓጢኣቱ ድማ ተኣኪቡ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ብኽብሪ ያእቆብ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣነ ንዅሉ ግብሮም ንዘለኣለም ከቶ ኣይርስዖን እየ፤
እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን? ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?