14 ብሓቂ እስራኤል ባርያ ድዩ? ወይ ኣብ ቤት ዝተወለደ ባርያ ደኾን እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ?
ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ።
ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም።
ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ።
ኣወዳትን ኣጓላትን ባሮት ዓደግኩ፤ ኣብ ቤተይ ዝተወለዱ ባሮትውን ነበሩኒ፤ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ዝበዝሓ ኸብትን ጠለ በጊዕን ድማ ነበራኒ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”