12-13 ህዝበይ ክልተ ኽፉኣት ነገራት ገይሮም እዮምሞ፤ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ንዝኾንኩ ንኣይ ሓደጉኒ፤ ንርእሶም ከዓ ማይ ዘየዕቍር፥ ነቓዕ ሓፅብታት ኲዒቶም እዮም፤ ኣቱም ሰማያት፥ በዙይ ተገረሙ፤ ደንግፁ፤ የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ተናጊሩ እዩሞ፥ ኣቱም ሰማያት ስምዑ! ኣቲ ምድሪ እውን ፅን በሊ! ውሉድ ወለድኩን ኣዕበኹን፥ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ።
ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘስምዐ እንተ ሃልዩ፥ እስኪ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ጠይቑ። እታ ድንግል እስራኤል፥ የመና ኽፉእ ነገር ገይራ እያ።
ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ!
ንምድሪ ጠመትክዋ፤ እንሆ ኸዓ ባዶ ምድረ በዳ ነበረት። ንሰማያትውን ጠመትክዎም፤ ብርሃን ከዓ ኣይነበሮምን።
ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።
እንሆ ኻብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት፥ ኵሉ ምድሪ ፀልመተ።
“ክዛረብ እየ እሞ፥ ሰማያት ፅን በሉ፤ ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ።