9 ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።”
ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ።
ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ።
ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?
ዮድ። ርህሩሃት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፤ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።
ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”
ስጋ ኣወዳትኩምን ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም።