7 ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ።
ነቶም ተረፍ ርስተይ ከዓ ኽድርብዮም እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽማርኽዎም እዮም፤ ንምድሮም ድማ ኽዘርፍዎ እዮም።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
‘ናበይ ክንከይድ ኢና?’ እንተ በሉኻ፥ ‘ንሞት ዝተመደበ ናብ ሞት፥ ንሰይፊ ዝተመደበ ናብ ሰይፊ፥ ንጥሜት ዝተመደበ ናብ ጥሜት፥ ንምርኮ ዝተመደበ ናብ ምርኮ’ ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤ ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥ ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤ ነቶም ዝተረፉውን፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
ስለዙይ ሕዚ ደቆም ንጥሜት ሃብ፤ ንኣኣቶም ከዓ ስሕለት ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ናይ ወላድ መኻንን መበለታትን ይኹና፤ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ፤ ኣጕባዞም ከዓ ኣብ ጊዜ ውግእ ብሰይፊ ይውደቑ።
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”
ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ፥ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ።
ኣብ ኢድ ፀላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ።
ኣብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ፥ እወ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ሰራዊቱን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ግብፂ ሰብ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።
ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ‘ንሕና ለባማት ኢና፤ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም? እንሆ ሓሰውቲ ፀሓፍቲ ናብ ሓሰት ለዊጦምዎ እዮም።
እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ?
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።
ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም ንመቕፅዒኹም ውግእ ከምፅእ እየ፤ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተሓቢእኹም ከዓ ናብ ማእኸልኩም ሕማም ፌራ ኽሰድድ እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላኢኹም እውን ክትወድቁ ኢኹም።
እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።
እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን።
ሎሚ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽቐትለካ፥ ንርእስኻውን ክቘርፃ እየ፤ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከዓ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፤ ሽዑ ኣብ እስራኤል፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።