3 ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ።
ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንስምካ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ እውን ንኽብርኻ ኽፈርሑ እዮም።
እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ እዩ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ክቕጥቅጦም እዩ።
ሕዚ እውን ኣቱም ነገስታት፥ ኣስተውዕሉ፤ ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን ተገሰፁ።
ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን።
ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።
ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ነገስታት ይሁዳን ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ።
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።
ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መዓት፥ በይኑ ዝኾነ መዓት እንሆ ይመፅእ ኣሎ።
ንኣኣቶምን ንኣህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።’
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ።