13 ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።
ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ብዝፈሰሰ ዝተሰርሑ ምስልታት ክልተ ምራኹት ገበሩ፤ ሓወልቲ ኣስታሮትውን ኣቖሙ፤ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፤ ንጣዖት በዓልውን ኣምለኹ።
ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።
እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ።
ነቲ ዓምድታት ኣእማን ሰባበሮ፤ ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኣፍረሶ፤ ነቲ ቦታኦም ከዓ ኣዕፅምቲ ሰብ መልኦ።
ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንደድዋ፤ ንመሕደሪ ስምካውን ኣብ ምድሪ ኣርከስዋ።
ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?
“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ።
እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም።
ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”
ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን።
ደቆም ዕንፀይቲ ይእክቡ፤ ኣቦታት፥ ሓዊ ይኣጕዱ፤ ኣንስቲ ኸዓ ነታ ንግስቲ ሰማይ ዝብልዋ ጣዖት ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቕ የቘምጥዓ፤ ንኣይ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ፥ መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍዩ ኣለዉ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።
ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።
ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ።
ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።
እግዚኣብሄር ግና ኻብኣቶም ረሓቐ፤ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ከምልኹ ኸዓ ሓደጎም። እዙይ ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢያት ዝተፅሓፈ፦ ‘ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ምድረ በዳ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ሕሩድ ኮነ መስዋእትታት ዘቕረብኩምለይዶ ነይሩኩም እዩ?
ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።