11 ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንስኻ ኸዓ ብበትሪ ሓፂን ክትሕልዎም፥ ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ኽትቅጥቅጦም ኢኻ።”
ስለዙይ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመፅእ፤ ብድንገት ድማ ይደቅቕ፤ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።”
ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ።
ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእኻያ፥ እምኒ እሰረላ፤ ኣብ ማእኸል ፈለግ ኤፍራጥስ ድማ ደርብያ እሞ፥
ቤት። እቶም ከም ፅሩይ ወርቂ ዝኸበሩ ደቂ ፅዮንከ፥ ከመይ ኢሎም ከምቲ ሰራሒ መሬት፥ ዝሰርሖ ኣቑሑ ተቘፀሩ።
ናባና መፂኡ ኸዓ፥ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ፥ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም፥ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ።