7 ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተናስሐ፤ ብልቡውን ሓዘነ።
ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።
ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።”
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ንምንቃሎምን ንምዕናዎምን ንምፍራሶምን ንምጥፋኦምን ንምስቓዮምን ከም ዝተጋህኹ፥ ከምኡ ድማ ንምህናፆምን ንምትካሎምን ክተግህ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ።
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ።
ነቲ ሓጥእ ድማ ብርግፅ ሞት ክትመውት ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን እንተ ገበረ፥
ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ።
እንሆ፥ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሓጥእ ዝኾነት መንግስቲ እየን፤ ካብ ገፅ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍኣ እየ። ግና ንዘርኢ ያእቆብ ፈፂመ ኣየጥፍኦን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን።
ዮናስ ናብታ ኸተማ ኽኣቱ መንገዲ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተጕዓዘ “ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ።