Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 18:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ኣነኸ ንኣኻትኩም ከምቲ ሰራሒ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይከኣለንን እዩ? ኸምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ዘሎ፥ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም ዘለኹም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 18:6
8 Referencias Cruzadas  

እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?


ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና።


እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።


ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤


ኦ ንጉስ፥ ንስኻ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኻ። ንሱ ኸዓ ‘ነታ ኦም ቍረፅዋን ኣብርስዋን፥ ግና ነቲ ጕንዲ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ በረኻ፥ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፤ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ዝሓልፎ፥ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ምስ እንስሳ በረኻ ኸዓ ኣብ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን’ እንትብል ዝረአኻዮ ራእይ፥


ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።


ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos