5 ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።
“ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ኣነኸ ንኣኻትኩም ከምቲ ሰራሒ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይከኣለንን እዩ? ኸምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ዘሎ፥ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም ዘለኹም።