3 ኣነውን ናብ ቤት እቲ ስራሒ መሬት ወረድኩ፤ ንሱውን ነቲ ሻኽላ ብመንኰራዅር ይሰርሕ ነበረ።
እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።
ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።