20 ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።
ኣብ ልዕሊ ደኽታም ዕፃ ትዋደቑ፤ ንፈተውትኹምውን ጕድጓድ ትዅዕቱ ኣለኹም።
ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
ሓጢኣተኛታት ከጥፍኡኒ ይፀናተዉኒ ኣለዉ፤ ኣነ ግና ምስክርነትካ መርመርኩ።
ክንዲ ሰናይ ክፉእ ፈደዩኒ፤ ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ።
ብኸንቱ ኸጥፍኡኒ መፈንጠሮም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ እዮም እሞ፥ ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ።
ንፅድቂ ስለ ዝተኸተልኩ፥ ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ።
ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።
ጕድጓድ ኰዓተ፤ ኣዕመቖውን፥ ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ።
ክንዲ ሰናይ ክፉእ ንዝፈዲ ሰብ፥ ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን።
ጕድጓድ ዝዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፤ እምኒ ዘንከባልል ድማ ናብ ባዕሉ ይግልበጦ።
ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።
ንሱውን ንበዓል ምእንቲ ኽትዓጥኑሉ፥ መሰውኢ ጌርኩም ኢኹም፤ ንስኻስ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ምእንትኣቶም ከዓ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።
ኦ እግዚኣብሄር! ንኣኻ በዲልና ኢናሞ፥ ንእመን ኣለና። ሓጢኣትናን በደል ኣቦታትናን፥ ተፈሊጡና ኣሎ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።
“ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ።
ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ።
ሓቀኛታት ነቢያት እንተ ደኣ ኾይኖም፥ ቃል እግዚኣብሄርውን ብርግፅ እንተ ሃልዩዎምስ፥ እዝ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ይለምኑ” ኢለ ነገርክዎም።
“ኣብ መንጎ ህዝበይ ክፉኣት ሰባት ኣለዉ፤ ከምቶም ኣዕዋፍ ክሕዙ መፈንጠር ኣፃዊዶም ዘድብዩ፥ መፈንጠር ዘርጊሖም ሰብ ይሕዙ ኣለዉ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እምበኣር ኣይሰምዐካን እየ እሞ፥ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ኣይትማህለል፤ ኣይትፀሊ፤ ላሕውን ኣይተብለኒ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኢኻ ኢኻ እሞ ፍትሒ ኣውፅአለይ።
ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።
እዙይ ግና እቲ ኣብ ሕጎም ‘ብዘይ ምኽንያት ፀልኡኒ’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ ዝኾነ።
ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ።