19 “ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ።
ኦ እግዚኣብሄር! ኣእዛንካ ኣዘምቢልካ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ረአ። ነቲ ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ቃል ሰናክሬም ከዓ ስማዕ።
ንሳቶም እቲ ስራሕ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ኣእዳዎም ክደኽማ እየን ኢሎም ከፈራርሑና ይፍትኑ ነበሩ። ሕዚ እውን፥ ኦ ኣምላኽ፥ ኣእዳወይ ኣፅንዕ!
ንሳቶም ይራገሙ፤ ንስኻ ግና ባርኽ፤ እቶም ኣባይ ዝለዓሉ፥ ይሕፈሩ፤ ባርያኻ ግና ይተሓጐስ።
ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተፃረሩኒ፤ ኣነ ግና እፅሊ ኣለኹ።
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።
ኣታ ንፃድቕ እትምርምር፥ ልብን ኵላሊትን እትርኢ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነገረይ ናባኻ ኣማዕቚበ ኣለኹ እሞ፥ ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኢኻ ኢኻ እሞ ፍትሒ ኣውፅአለይ።
ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ።