18 ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።
ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ።
ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ።
ሽዑ ንእኡ ንጉስ ኢዮኣስን እቶም ህዝብን ክቐትልዎ ተመሓሓሉ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።
ንጠቢባን ብተንኰሎም ይሕዞም፤ ንምኽሪ ጠዋያት ድማ ይብትኖ።
ኣብ ልዕሌኻ ኽፍኣት ዘርጊሖም እዮምሞ፤ ዘይኽእሉዎ ምኽሪ ሓሰቡ።
ኣንደበትካ ሓጢኣት ይሓስብ፤ ከም ዝተስሓለ መላፀ ጥበራ ገበርካ።
ንነፍሰይ ካብ ማእኸል ኣናብስ ኣድሓና፤ ደንጊፀ ደቀስኩ፤ ደቂ ሰብ ኣስናኖም ኲናትን ፍላፃን፥ ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ።
ንሳቶም መሪር ነገር ንምግባር፥ መልሓሶም ከም ሰይፊ ኣብልሑ፤
ሞትን ህይወትን፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መልሓስ እዮም፤ እቶም ዝፈትዉዋ ኸዓ ፍረኣ ኽበልዑ እዮም።
ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ።
ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
“ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ።
“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
እቶም ካህናትን ነቢያትን ድማ ነቶም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ተነብዩላ እዩ እሞ፥ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።
ግና ናብታ ደገ ብንያም እትብሃል ምስ በፅሐ፥ የርያ ዝስሙ ወዲ ሰሌምያ ወዲ ሃናንያ ሓለቓ ሓለውቲ “ናብ ባቢሎናውያን ኢኻ እትመልቝ ዘለኻ” ኢሉ ንኤርሚያስ ሓዞ።
ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።
“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።
ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።
ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ‘ንሕና ለባማት ኢና፤ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም? እንሆ ሓሰውቲ ፀሓፍቲ ናብ ሓሰት ለዊጦምዎ እዮም።
ምሉእ መዓልቲ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡን፥ ክፍኣት ከዓ ይመኽሩለይን ኣለዉ።
መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።
እግዚኣብሄር ብቓል ሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ስርዓት ንደቂ እስራኤል ክትምህሩ ኢኹም።”
“ስለዙይ ዝረአኹምዎ ራእይ፥ ለይቲ፥ ጥንቈላኹም ድማ ፀልማት ክኾነኩም እዩ፤ ፀሓይውን ኣብ ልዕሊ ነቢያት ክትዓርብ እያ፤ መዓልቱውን ክፅልምቶም እዩ።
እቶም ራእይ ዝሪኡ ኽንውሩ፥ እቶም ትንቢት ዝዛረቡ ኸዓ ኽሓንኩ እዮም። እግዚኣብሄር ስለ ዘይምልሰሎም፥ ኵላቶም ብሕፍረት ከንፈሮም ክኸድኑ እዮም።”
እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።
ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ።
ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?” በልዎ።