Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 18:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 ከም ንፋስ ምብራቕ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥ ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 18:17
16 Referencias Cruzadas  

ንፋስ ምብራቕ መንዚዑ ይወስዶ፤ ካብ ቦታኡውን ይነቕሎ፤


ብብርቱዕ ንፋስ ንመራኽብ ተርሴስ ትሰባብር።


ፃድቕ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቕ፤ ይትስእውን፤ ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ መከራ ይወድቁ።


ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ።


ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሂቦምኒ እዮም እሞ፥ ንኦም “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” ንእምኒ ድማ “ንስኻ ወለድካኒ” ይብሉ፤ ብጊዜ መከራኦም ግና “ተስእ እሞ ኣድሕነና” ይብሉኒ።


ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።


እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።


እቶም ዝቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፤ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።


ካብኣቶም ገፀይ ክምልስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ንምስጢረይ ከርክስዎ፥ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኸርክስዋ እዮም።


ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።


“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።


“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።


በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።


ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos