Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 18:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 18:12
18 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።


እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።


ኤልሳዕ ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ፥ እንሆ እቲ ልኡኽ መፀ። “እዝ መከራ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር ዝፅበየሉስ እንታይ ኣለኒ?” ኢሉ ተዛረቦም።


ብምብዛሕ መንገዲውን ደኸምኪ፤ ግና ተስፋ ኣይቈረፅክን፤ ምሕዳስ ጕልበት ረኸብኪ፤ ስለዙይ ድማ ኣይሰልከኽን።


ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።


ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም፥ ብትሪ ኽፉእ ልቦም ከዱ እምበር፥ ኣይሰምዑንን ኣይተኣዘዙንውን። ስለዙይ ከዓ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነዝ ኣብዝ ኪዳን እዙይ ተገሊፁ ዘሎ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ” በለኒ።


ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።


እግርኺ ጥራሑ ኻብ ምዃን፥ ጐረሮኺ ድማ ኻብ ምፅማእ ማይ ከልክሊ፤ ንስኺ ግና “ጓኖት ፈትየ ኣለኹ፤ ደድሕሪኣቶም ክስዕብ እየ እሞ፥ እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” በልኪ።


ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”


ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም።


ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።


ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።


“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።


ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።


ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’


ብቕልፅሙ ሓይሊ ገበረ፤ ንዕቡያት ምስ ሓሳብ ልቦም በተኖም።


“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos