10 እሞ እቲ ህዝቢ እቱይ ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ ኣብ ቅድመይ ክፉእ እንተ ገበረ፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብረሉ እየ’ ኢለ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ነገር ኣይገብሮን እየ።
ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።
“እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ በታ ንሱ ዝበደለላ መዓልቲ ኣየድሕኖን እዩ፤ ሓጢኣት እቲ ሓጥእ ከዓ፥ በታ ኻብ ሓጢኣት ዝምለሰላ መዓልቲ ብሓጢኣቱ ኣይሰናኸልን እዩ፤ እቲ ፃድቕውን በታ ዝሓጥአላ መዓልቲ፥ በቲ ፅድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ።
ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ፥ ዓመፃ ኸዓ እንተ ገበረ፥ ብሰንካ ኽመውት እዩ።
ብሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፥ ስለ እቲ ዝበደለን፥ ስለ እቲ ብገርሁ ዝሰሓተን፥ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ፤ ነታ ቤትውን ከምኡ ኽትቢዘውዋ ኢኹም።
ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”
ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥
ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ።
ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይሓዝን ነበረ። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተናስሐ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።