1-2 ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል፦ “ተሲእኻ ናብ ቤት ሰራሒ መሬት ውረድ፤ ኣብኡ ቓለይ ከስምዐካ እየ” በለኒ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ካብዙይ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተሓባእ።
እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ?
ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”