9 “ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
ኣብታ መልእኽቲ ኸዓ “ንኦርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ፥ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ፥ ተወጊኡ ምእንቲ ኽመውት ከዓ ሓዲግኩምዎ ህደሙ” ኢሉ ፀሓፈ።
እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።
እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ይብል፤ ድንገትውን ብፍላፃ ይቘስሉ።
ብልቡ ዝእመን ሰብ ሰነፍ እዩ፤ እቲ ብጥበብ ዝመላለስ ግና ይድሕን።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።
ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ።
ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን።
ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።
ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።
ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን፤ ኣነ ኸዓ ንሓጥኣን እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።
ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤
ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።