8 ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”
ሱረይ ናብ ማይ ክዝርጋሕ፥ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።”
“ንሱ ብፀሓይ ይልምልም፤ ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ይወፅእ።
ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።
ብሃብቱ ዝእመን ይወድቕ፤ ፃድቃን ግና ኸም ቈፅሊ ይልምልሙ።
እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እንሆ ኣሶር ጨናፍሩ ዝፅቡቕ፥ ፅላሉ ዝዕሙር፥ ቁመቱ ዝነዊሕ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ኸም ዝነበረ፥ ከም ኦም ሊባኖስ ነበረ።
ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”