5 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ሰብ ዝእመን፥ ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥ ዝተረገመ እዩ።
ኣሳ ኸዓ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፤ የመና ኸዓ ፀንዖ። ንሱ ግና ኽንዲ ናብ እግዚኣብሄር ዝልምን ናብ ሰብ መድሓኒት ከደ።
እቲ ምስኡ ዘሎ፥ ሓይሊ ሰብ እዩ፤ እቲ ምሳና ዘሎ ግና፥ እቲ ዝረድአናን ዝዋግአልናን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።” እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተፀናንዐ።
መንገዲ እግዚኣብሄር ሓሊየ እየሞ፤ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?
ንሳቶም ካብ ተስፋኦም ካብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ትምክሕቶም ካብ ግብፂ ዝተልዓለ፥ ክፈርሑን ክሓፍሩን እዮም።
እንሆ፥ በቲ ቕጥቁጥ ምርኩስ ሻምብቆ ዝኾነ ግብፂ ትተኣማመን ኣለኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፥ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የቝስሎ፤ ንጉስ ግብፂ ኸዓ ነቶም ኣብኡ ዝተኣማመኑ ዅሎም ከምኡ እዩ።
ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን።
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።