Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 17:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 17:26
17 Referencias Cruzadas  

“ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፥ ምሕረቱ ኸዓ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተቐባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፥ ዓው ኢሎም ዕልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።


መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።


ንኣኻ መስዋእቲ ምስጋና ኽስውአልካ እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።


ምስ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ መቕደስካ ኽኣቱ እየ።


“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥


ካብኣቶም፥ መዝሙር ምስጋናን፥ ድምፂ ዕልልታን ክስማዕ እዩ፤ ኣነ ኸብዝሖም እየሞ፥ ቍፅሮም ድማ ኣይውሕድን፤ ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም።


ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?


እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።


ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos