Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 17:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 17:25
21 Referencias Cruzadas  

ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”


ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።


ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።


ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።


ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።


ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።


“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ነዝ ቃል እዙይ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት ምስ ባሮቶምን ህዝቦምን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም፥ ብበርታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም።


ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።


በቲ ጊዜ እቱይን፥ በቲ ዘመን እቱይን፥ ንዳዊት ጨንፈር ፅድቂ ኸጠጥዐሉ እየ።


ካብ ዳዊት፥ ኣብ ዙፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይሰኣንን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ሽዑ ድማ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ውሉድ ከይኾነሉ፥ ምስ ዳዊት ባርያይን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናትን ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ክፈርስ እዩ።


እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።


ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።


እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።


ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥


ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos