24 “ግና ብጥንቃቐ እንተ እትሰምዑኒ ይብል እግዚኣብሄር፥ ብመዓልቲ ሰንበት ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ፆር ፀይርኹም እንተ ዘይኣቲኹም፥ ንመዓልቲ ሰንበት እንተ ቐደስኩምዋ፥ ብኣኣ ስራሕ እንተ ዘይሰሪሕኹም፥
ኣስዒቡ ድማ “ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕኻ፥ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝኾነ ኸዓ እንተ ገበርካ፥ ንትእዛዛቱውን ፅን እንተ በልካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሊኻ፥ ኣነ እቲ ዘሕውየካ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ነቲ ናብ ግብፃውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ፤” በሎም።
“ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።
በፍራስ ዝቕመጡ በብኽልተ እናኾኑ ዝኸዱ ፈረሰኛታት፥ ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ዝቕመጡ ምስ ረአየ፥ ብፍፁም ትግሃት ኣስተውዒሉን ተጊሁን የዳምፅ።”
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
ንሰናብተይ ቀድሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክኾና እየን።
እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።
“ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፤ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ።
“ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ተመላለሱ፥ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ።