20 ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ነገስታት ይሁዳን ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዝኣትዉላን ዝወፁላን፥ በሪ ደቂ ህዝቢ እትብሃል በርን፥ ኣብ ኵለን በርታት ኢየሩሳሌምን ቁም፤
ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ።
ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ።
“ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ በሎም፤
ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
ዓለውቲ እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ቃለይስ ንገሮም ደኣ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።
ኣነውን ከምዙይ በልኩ፤ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን፥ መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን ስምዑ፤ ስለ ፍትሒ ምፍላጥዶ ኣይግብአኩምን?
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።’