2 ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ።
ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ድማ ንሓወልቲ ኣስታሮትን ንጣዖታትን ኣምለኹ። በዝ በደሎም እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ ወረደ።
ብዛዕባ ፀሎቱን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን፥ ብዛዕባ ቅድሚ ምንሳሑ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፥ ብዛዕባ እቲ ንጣዖት ከምልኹሉ ኢሉ ዝሰርሖ በረኽትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘቖሞ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘምልኾም ዝነበረ ኣማልኽትን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነቢያት ተፅሒፉ ኣሎ።
ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖታት በዓል ከዓ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ። መምለኺ ዓፀዳትውን ተኸለ። ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገደሎምን ኣምለኾምን።
ብዀረብታ መስገዲታቶም ድማ ኣቘጥዕዎ፤ ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።”
ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።
ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።
ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት።
ደቆም ዕንፀይቲ ይእክቡ፤ ኣቦታት፥ ሓዊ ይኣጕዱ፤ ኣንስቲ ኸዓ ነታ ንግስቲ ሰማይ ዝብልዋ ጣዖት ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቕ የቘምጥዓ፤ ንኣይ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ፥ መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍዩ ኣለዉ።
ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።
እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፥ ኣብ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘምልኹለን ዝነበሩ ቦታታት ፈፂምኩም ኣጥፍእወን።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ።