17 መደንገፅየይ ኣይትኹን፤ ብመዓልቲ መከራ መዕቘብየይ ንስኻ ኢኻ።
ናይ እግዚኣብሄር መዓት ኣደንጊፁኒ እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።”
ንድኻን ንምስኪንን ዝሓሊ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመዓልቲ መከራ የድሕኖ።
ኣነ ግና ስለ ሓይልኻ ኽዝምር እየ፤ ብምሕረትካውን ንጉሆ ደስ ይብለኒ፤ ብመዓልቲ መከራይ መፀግዕየይን እምባይን ኴንካኒ ኢኻሞ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ።