15 ንሳቶም “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እስኪ ሕዚ ይምፃእ” ይብሉኒ ኣለዉ።
“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘመን ይነውሕ፤ ራእይ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፥ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ዝምስላኡ እዩ እዙይ?
ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ።
ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።